ተቐባልነት / ተፈላጥነት ዲፕሎማ
ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዘለዎም ሰባት: ሓደ ሓደ ቅድመ-ኩነት ብምምላእ: ቅቡላት ክገብርዎም ይከእል። ቅቡል ዝበሃል ዲፕሎማ: እቲ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ: ምስ ናይ ስዊስ ደረጃ ሓደ ዋጋ ከም ዘለዎ ይረጋገጽ። ኣብቶም ብሕጊ ረቓሒታት ዝተወሰነሎም ሞያታት( ንኣብነት: ናይ ሕክምና ክኢላታት: ናይ ትምህርቲ ኽኢላታት) ነቲ ናይ ደገ ዲፕሎማ ቅቡል ክትገብሮን ብሞያኻ ምእንቲ ክትነጥፍ ብሕጊ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ ቅቡል ንምግባር ዝሰርሑ ትካላት ከከም ዓይነት ሞያ ክፈላለዩ ይኽእሉ። ሓበሬታ ካብ ሃገራዊ ናይ ዲፕሎማ ቅቡል መግበሪ ትካል (Nationale Kontaktstelle für Diplomanerkennung) ወይ ማእከል ሓበሬታ ሞያ (BIZ) ምውካስ ይከኣል።