ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ
ብመሰረቱ ናይ ቀረባ መቕርብ ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት: ዘመድ ወይ መጻምድቲ: ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ መቕርብ ዝኾኑ: ናብ ስዊስ ንክመጽኡ መሰል ኣባል ስድራ-ቤት ምትእኽኻብ (ምትእኽኻብ ስድራቤት, Familiennachzug) ኣለዎም።ነዚኦም ኣባላት ናብ ስዊስ ንምምጽእ: ኣብ መበቖል ዓዲ ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ይምርኾስ። ብግዝያዊነት ተቕባልነት ኣብ ስዊስ ምንባር ብናይ መንነት ኤፍ (Ausweis F) ዝነብሩ ሰባት ኣብ ፍሉይ ቅድመ-ኩነት ኣባላት ስድራ ከምጽኡ ይከኣል። በዓል ስልጣን ናይ ስደትን መሰል ዜጋታትን ናይቲ ካንቶን (Amt für Migration und Bürgerrecht) ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን። ተጠንቀቕ: ስድራቤት ምምጻእ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክፍጸም ይግባእ። እዚ ኣብ ንእሽቱ ቅልዑት ሓጺር ኮይኑ ኣብ ዓበይቲ ግን ብተዛማዲ ( ብፍላይ ኣብ መጻምድቲ) ንውሕ ዝበለ ዩ።