ክራይ ገዛ: ኣብ ንቡር ኩነታት: ካብቲ ጽሩይ ወለድ ክራይ: ተወሳኺ ወጻኢታት (Nebenkosten) (መውዕዪን ውዑይ ማይን) ብሓንሳብ የጠቓልል።ናይ ናይ ክራይ ውዕል ዝጥቀስ ተወሳኺ ክፍሊት ወጻኢታት ጥራይ ኣብ ትጽቢት ከም ሕሳብ ክኣትዉ ኣለዎም። ክራይ ገዛ ወርሕዊ ኣቐዲምካ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ክኽፈል ኣለዎ። ኣካራዪ ገዛ ንዋጋ ክራይ ኣብ ጭቡጥ ምኽንያታት ጥራይ ክውስኽ ይኽእል። ንምውስኽ ገዛ ክራይ ዝምልከት ኣብ እዋኑ ሓደ ሕጋዊ ቅጥዒ መሊኡ ብስርዓት ክሕብር ይግባእ። ነዚናይ ምውሳኽ ገዛ ክራይ ተኻራዪ ዘይርትዕዊ ኮይኑ ምስዝረኽቦ: ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ: ናብ ናይ ኣሰነይቲ ወይ ዓረቕቲ ሰብ-ስልጣን (Schlichtungsbehörde) ቤት-ጽሕፈት ናይ ወረዳ ከመልክት ይኽእል። ኣካራዪ ብተወሳኺ ሓደ ዋሕስ ክፍሊት (Kaution) ናይ 3 ወርሒ ክራይ ኣቐዲሙ ዝኽፈል ክሓትት ይኽእል።እዚ ክፍሊት ውሕስነት ካብቲ ገዛ ክራይ ክትወጽእ ከሎኻ ተመሊሱ ይወሃበካ። ተኻረይቲ ኸም ምዃንካ መጠን ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ክራይ ገዛ ምእንቲ ኺንኪ (Mietzinssenkung) ብእተመዝገበ ደብዳበ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት መሰረት ቀመር ኣጸቢቑ እንተ ተቐዪሩ።