ጉዳይ ሞት

ኣብ ስድራኻ ሓደ ሰብ እንተሞይቱ ናብ ሰበስልጣን ክትሕብር ኣለካ። እንተደሊኹም ሰበስልጣን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክጽውዑ እዮም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነቲ ሬሳ ናብ መካነ መቓብር ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር የጓዕዞ።

ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ምልክታ

ኣብ ግዜ ሞት ናይ ሞት ወረቐት ምስክር ብሓኪም ክውዳእ ኣለዎ። ድሕርዚ እቲ ሞት ብኡንብኡ ናብቲ ናይ ሞት ቦታ ተሓታቲ ዝዀነ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መዝገብ ክቐርብ ኣለዎ።

እቲ ሰብ ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ መዕበዪ ጡረታ ወይ ኣብ መዕበዪ ኣረጋውያን ይመውት፤

  • ኣመራርሓ እቲ ሆስፒታል ወይ ገዛ ነቲ ሞት ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ክሕብር ኣለዎ።

እቲ ሰብ ኣብ ካልእ ቦታ ይመውት፤

  • ከም ኣባል ስድራቤት መጠን፡ ነቲ ሞት ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ካንቶን ክትሕብር ኣለካ።

ሕቶ ምስ ቀረበሉ ናብ መቓብር ንምግዓዝ ወይ ሬሳ ናብ ወጻኢ ንምግዓዝ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኺግበር ይከኣል እዩ። ንስኻ ከም ኣባል ስድራቤት ነዚ ዝኸውን ወጻኢታት ክትከፍል ኣለካ። እቲ ንቦታ ሞት ዚቈጻጸር ቤት ጽሕፈት ሲቭላዊ ምዝገባ ብዛዕባ ኣሰራርሓን ብዛዕባ እቲ ዜድሊ ሰነዳትን ሓበሬታ ይህብ እዩ።