ናይ ፍቓድ ዓይነታት
ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊስ ዝሰርሕ ወይ ልዕሊ 3 ወርሒ ዝቕመጥ: ሓደ መንበሪ/ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልዮ። እዚ ካብ ናይ ካንቶን ናይ ስደታኛታትን መሰል ዜግነትን (Amt für Migration und Bürgerrecht) በዓል ስልጣን ይወሃብ። እዚ ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ( 1 ዓመት) ወይ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ( ንዝተወሰነ ግዜ) ወይ ከኣ ነባሪ/ቀዋሚ (ዘይተወሰነ ግዜ) ፍቓድ ክኸውን ይኽእል ከምኡውን ናይ ምስግጋር ዶብ ፍቓድ።
- ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ (L):እዚ ፍቓድዚ ንሓጺር ዝተወሰነ ግዜ ( መብዛሕትኡ 1 ዓመት) ንሓደ ፍሉይ መደብ ኣብ ስዊስ ዝጸንሑ ዝወሃብ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU-/EFTA-ሃገራት: ብስራሕ ምኽንያት ንሰልስተ ክሳብ ሓደ ዓመት ( ናይ ስራሕ ውዕል) ዘቕርቡ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ።
- ግዝያዊ ፍቓድ (B): እዚ ፍቓድዚ ንዝተውሰነ ግን ነዊሕ ግዜ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU/EFTA- ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኾኑ እንተኣረጋጊጾምን: (ናይ ስራሕ ውዕል) እንተኣቕሪቦም : እዚ ዓይነት ፍቓድ ክወሃቡ መሰል ኣለዎም። እዚ ዓይነት ፍቓድ: ንዜጋታት EU/EFTA-ንሓሙሽተ ዓመት ይወብ። ንካልኦት ግን ንሓደ ዓመት ጥራይ ይወሃብ። ድሕሪዚ ግን መናውሒ ግዜ ፍቓድ ይሕተት። እዚ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ቅድመ-ኩት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ ንኣብነት: ናይ ጀርመን ቛንቛ ትምህርታ ስልጠና ንምብጻሕ።ነዚ ንምንዋሕ ረቛሒታት ስለዘየልኡ ኣይፍቀምን እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ንከይንዋሕ ዝዕንቅፉ ምኽንያታት: ዕዳ ወይ መቕጻዕቲ ገበን ምስዝህልወካ ወይ ካብ ሓገዝ ሶሽያል ተጠቃማይ እንተኮንካ። እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይምቍራጽ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ጸንሐ ኢዩ ዝውዳእ። ብወግዒ ዝተቐበሉ ስደተኛታት ናይ B መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም።
- ናይ ስዊዝ መንበሪ ወረቐት/መዕረፊ (መስፈሪ)ፍቓድ ሲ(C) Niederlassungsbewilligung C (Ausweis C)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ን 5 ወይ 10 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ (ምንባር) እዩ ዝወሃብ። ኣብዚ እውን ን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ን ካብ ሳልሳይ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ይሕተት እዩ። ናብ ወጻኢ ሃገር ክትግዕዝ ከለኻ ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት እቲ ፍቓድ ንኣርባዕተ ዓመት ኪዕቀብ ይከኣል እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሲቭላዊ መሰላትን ክቐርብ ኣለዎ።
- ንግዚያዊ ተቐባልነት ዝምልከት መንበሪ ፍቓድ(F): እዚ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሓተትቲ ዕቕባ ስደተኛታት: ከም ስደተኛታት ብወግዒ ተፈላጥነት ዘይረኸቡ ኮይኖም: ንግዚኡ ክሳብ ኩነታት ከምቲ ዝጠልብዎ ዝኸውን ዕቕባ ዝወሃቡ እዩ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ክሕደስ ኣለዎ።