ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት
ኣገልግሎት ወጻእተኛታት (ald) ኣብ ፕራተልን ሓደ ማእከል ናይ ምኽሪ ትካል ንስደተኛታት ኢዩ። ናይዚ ትካል ሰራሕተኛታት ንሓፈሻዊ መዓልታቲ ናይ ስዊስ ንጥፈታት ዝምልከት ሕቶታት ይምልሱን ይሕግዙን። ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል ንክትረክብውን ይሕግዙ።ብተወሳኪ ንሰባት ኣብ ምድላይ ንዕኦም ዝሰማማዕ ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠናን: ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎትን ይሕብሩ። ቆጸራ ብምሓዝ (ብተለፎን ወይ ብኣካል) ብዝተፈላለየ ቛንቛ ምዝርራብ ይከኣል። ዝወሃብ ሓበሬታን መወከሲን ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ኢዩ። እቲ Anlaufstelle Baselland ብዛዕባ ዅሉ ሕግታት ዕቝባን መጻእተኛታትን ሓበሬታ ይህብ እዩ። ኣብ ጎድኒ ዚ ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት: ብዝተፈላለየ ናይ ደገ ቛንቛ ኣብ ዝተውሰነ መንበሪ ቦታታት ሓላፍነት ወሲዶም ኣገልግሎት ዝህቡ ኣለዉ። ብተወሳኺ ናይ ስደት ማሕበር: ንጹር ሓበታ ብዝርድኣካ ቛንቛ ንምርካብ ኣገዳሲ ቦታ ኢዩ።